ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ መሰል ድዩ መጋየጺ?

Ulla Carlsson, professor professor i medie- och kommunikationsforskning vid Göteborgs universitet. Bild: Johan Wingborg (Beskuren)

ኣብ ኣህጉራዊ መዓልቲ ናጽነት ፕረስ 3 ግንቦት ደራሲ ግርማይ ዮውሃንስ ምስ ፕሮፌሰር ሓሳብካ ምግላጽ ናጽነት፡ ተራ መራኸቢ ብዙሃንን ሽወደን ኣብ እሱራት ኤርትራውያን ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን እንታይ ክትገብር ከምእትኽእልን ን ኡላ ካርልሰን ኣዘራሪቡዋ ኣሎ።

”ዝኾነ ሰብ ናጻ ኮይኑ ናይ ምሕሳብን ሓስቡ ናይ ምግላጽን ናጽነት ኣሎዎ። እዚ ናጽነት’ዚ ብዘይ ናይ ማንም ሰብ ምትእትታው ሓሳብካ ናይ ምዕቃብ፣ ብዝኾነ ዓይነት መገዲ ኣገድስቲ ሓበሬታትን ሓሳባትን ናይ ምሕታትን ምቕባልን ከምኡ’ውን ሓበሬታታትን ሓሳባትን ብኹሉ ዓይነት መገዲ ምዝርጋሕን የጠቓልል።” እዚ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዓንቀጽ 19 ኣስፊሩዎ ዘሎ ትርጕም ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት’ዩ።
ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት እንታይ ማለት’ዩ?
– ንሕብረተሰቡ ንኽርዳእ፡ ልቦና፣ ፍልጠት፣ ጭብጥታትን ሓበሬታታትን ዝጐደሎ ሃገር ወይ ሃገራውነት ኣብ ዜጋታት’ታ ሃገር ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ክትዓትን ነቐፌታዊ ኣጠማምታን ከም ዝጠፍእ’ዩ ዝገብር። ስለዚ’ዩ ድማ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነትን ናይ ብሕቲ መራኸቢ ብዙሃንን ርዱእ ዝኾነ ምትእስሳር ዝህሉዎ።

ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት መዓስ’ዩ ጀሚሩ?
–እዚ ሕቶ’ዚ ብዝተፈላለየ ኵርናዕ ክምለስ ይክኣል’ዩ። ብፍሉይ ግን ምስቲ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት እምነ ኵርናዕ ዝኾነ ናይ ሊበራላዊ ዴሞክራሲ ክዕንብበሉ ዝጀመረ እዋን’ዩ ምትእስሳር ዘሎዎ። ኣብ 18 ክፍለ ዘመን ውልቀመላኽነት፣ ግበረ ሽበራን ሳንሱርን ኣዝዩ ኣስፋሕፊሑሉ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ናይ ማሕተም ዕድላት ስለዝተኽፍተ ናጻ ኴንካ ናይ ምሕታትን ሓሳባትካ ናይ ምቕራብን ዕድላት ክዓቢ ጀሚሩ። እዚ ግን ናይ ውሑዳት መሰል ወይ ናጽነት ጥራይ’ዩ ነይሩ። እዚ ከም’ዚ ዓይነት ተርእዮ ክሳዕ ሎሚ’ውን ኣብ ዝተፈላለየ ኵርናዓት ዓለም ዘሎ’ዩ።
እቲ ዝያዳ ኣገዳስን ብኻልእ መገዲ ክርአ ዝኽእልን ምጅማር ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት ድማ፣ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ መሰላት ጉባኤኡ ኣብ ዓንቀጽ 19 ዘስፈሮ መሰረት ብምግባር’ዩ። (ብዝያዳ ኣብ መልሲ ቍ.1 ርአ) እቲ ኣብ ርእሲ ከተማ ናሚብያ ካብ ዕለት 29 ሚያዝያ ክሳዕ 03 ግንቦት ኣብ ዝተኻየደ ንምዕባለ ናጻ፣ ብሕታውን ብዙሕነታውን ሜድያ ኣፍሪቃ ዝጽውዕ ጉባኤ ዝተኣወጀ ’ዊንድሆክ’ ዝብሃል ኣዋጅ 1991 ’ውን ኣብዚ ክጥቀስ ኣገዳሲ’ዩ። ምኽንያቱ ኣምር ኣድማሳዊ ናጽነት ናይ ፕረስ ስለዝህብ። እዚ ኣዋጅ’ዚ መራኸቢ ብዙሃን፡ ናጻ፣ ብሕታውን ብዙሕነታውን ክኸውን ከም ዘሎዎ’ዩ ዝድንግግ። እቲ ክላሲካዊ ርእየት ናጽነት ናይ ፕረስ ግን ብቝጠባውን ትካላውን ረቛሒታት ዝምላእ’ዩ።

ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት መን’ዩ ጀሚሩዎ? ስለምንታይ ከ ተጀሚሩ?
– እዚ ሰብኣዊ መሰል’ዚ፣ ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብቂዑ፡ ሓይልታት ናዚን የማናውያን ገዛእትን ምስ ተሳዕሩ፣ ዓለም በቲ ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝወረደ ህልቂት ስለዝሰንበደትን ስለዝተበራበረትን ኣብ 1948 ኣብ ዝተጋብአ ኣኼባ ውድብ ሕቡራት ሃገራት’ዩ ንፈለማ ግዜ ተጀሚሩ። እዚ ድማ ከም ኣድማሳዊ ጸግዒ ኣድማሳዊ ሰብኣዊ መሰላት ኮይኑ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ካብ ኩሉ ኵርናዓት ዓለም ዝመጽኡ ወከልቲ፡ ኩሉ ፍልልያቶም ኣወንዚፎም ነዚ ዓንቀጽ ሰብኣዊ መሰላት’ዚ ኣዊጆም። ምስ ኩሉ ኣዝዮም ዓሞቕቲ ናይ ሓሳባት ፍልልያቶም ኣገዳስነት ሓባራዊ ሰብኣዊ ክብርን ዓለም ለኻዊ ሓላፍነት መጻእን ስለዝተራእዮም’ዮም ነቲ ኣገዳሲ ኣዋጅ’ዚ ኣጽዲቐሞ። እዚ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት’ዚ ኣብ ድልየትን ተሳትፎን ሃገራት ዝተመርኰሰ ኾይኑ፡ ኣብተን ሃገራት ክህልው ንዘለዎ ቅዋም፣ ሕግታት፣ ንመራኸቢ ብዙሃን ክህልው ዝግብኦ ሓገዝን ናይ ትምህርቲ ዕድላትን ዘጠቓለለ’ዩ።
ዛዕባታት ሓሳብካ ናይ ምግላጽ፣ ሓበሬታን ፕረስን ናጽነታት ኣብ ዓለማዊ መድረኽ ኩሉ ግዜ ኣካታዕትን ኣከራኸርትን ብምዃኖም ብሰንኪ’ዚ ግርጭታዊ ክርክራት ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት ኣብ’ቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2030 ክብጻሕ ኣለዎ ኢሉ ዝሓንጸጾ ዕላማታት ኣይተኻተትን።

ኣብ ዓለም ሓቀኛ ናጽነት ወይ ሓርነት ኣሎ ኢልኪ ዶ ትኣምኒ? ማለተይ ዋላ’ውን ኣብ ሽወደን?
– ናጽነት ዝብል ኣምር ንባዕሉ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ’ዩ። ልክዕ ከምኡ ድማ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት ዝተሓላለኸ ኣምር ምዃኑ’ዩ። ብዛዕባ ሓደ ዜጋ ምስ ሃገሩ ንዝህሉዎ ዝምድና መሰረት ዝገብሩ ጠቐምትን ጎዳእትን ክትዓት ክልዓሉ ይኽእሉ’ዮም። ከም ዝሓለፈ ግዜ ሎሚ’ውን እንተኾነ ገንዘቡ፣ ስልጣኑ ክሳዕ ዘይተንከፈሉን ኣብ ዘይምቹእነት ክሳዕ ዘይወደቐን ኩሉ ሰብ ዕቤት ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነትን ሰብኣዊ መሰላትን ይድግፍ’የ በሃላይ’ዩ ። ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት ደረት ዘይብሉ ናጽነት ኣይኮነን። ንሓድሕድካ ምክብባርን ሓላፍነትካ ምውሳድን የድልዮ። ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት ሕግን ሕጋውነትን’ዩ። ኣብ ልዕሊ’ዚ ግን ሞራልን ስነ ምግባርን’ውን’ዩ። ውሱንነት ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት ቀወምቲ ኣይኮኑን። ኩሉ ግዜ ብህሉው ባህላውን ማሕበራውን ክብርታትን ሕግታትን ዝተጸልው’ዮም። ሱርበተኻዊ ለውጥታት ኣብ ዝካየደሉ ግዜያት ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት ኣብ ፈተና ይወድቕ’ዩ። ኣብ መንጎ ጸጥታ፡ ውልቃዊ ሓርነት፡ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነትን ኣብዛ ዲጂታላዊት ዓለም ዘሎ ሚዛንን ኣዝዩ ተነቃፊ’ዩ። ዲጂታላዊ ዕቤት ዝተሓላለኸ ኵነታት መራኸቢ ብዙሃን ፈጢሩ’ዩ። ስለዚ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት ከም ውሁብ ክውሰድ የብሉን። ሕጋውን ዘላቕን ክኸውን ኣለዎ – ዋላ’ውን ኣብ ሽወደን ።

ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ህሉው ኵነታት ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት ዘሎኪ ትዕዝብቲ ከመይ ይመስል?
– ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት ይኹን ካልኦት መሰላትን ናጽነታትን ኣብ ግብሪ ንምትርጓሞምን ክትነብረሎም ንምኽኣልን መጀመርያ ሰባት መሰረታዊ ትምህርትን ጥዕናን የድልዮም። እዚ ዕድል’ዚ ግን ኩሉ ሰብ ዝረኽቦ ኣይኮነን። ናይ’ዚ መሰረታዊ ዕድል ዘይምርካብ ሰዓቤን ድማ ዝበዝሕ ግዜ ናይ ማሕበራዊ ዘይፍትሓውነት፣ ናይ ጾታ፣ ናይ ሃይማኖትን ብሄርን ተንጽሎታትን ሽቕለት ኣልቦነትን ይኸውን። ሰንኪ’ዚ ሳዓቤን’ዚ ድማ ናብ ትምህርትን ሓበሬታን ዘብጽሕ መገዲ ይዕጾ። ኣብ’ዚ ብንጹር ከተኩረሉ ዝደሊ ኣገዳስነት ኣብ መንጎ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነትን ትምህርትን ናይ ምጽሕፍ ብቕዓትን ዘሎ ርክብ ወይ ተዛማድነት’ዩ። እቲ ዘሕዝን ግን ብመሰረት ብዙሓት መወከሲታት ዴሞክራስያዊ ምዕባለታት ንድሕሪት ይጉተት ምህላዎም’ዩ። እዚ ማለት ብዙሓት ዜጋታት ብፍላይ ድማ ጋዜጠኛታት፣ ጸሓፍቲ፣ ኣሕተምትን ግዳያት ሳንሱርን ፣ ዝተፈላለየ መጥቃዕትን ይዀኑ ኣለው። ካብ’ዚ ሓሊፉ’ውን ንሞት ዝተቓልዑ ብዙሓት’ዮም። ዴሞክራስያዊ ምዕባለ ንድሕሪት ኣብ ዝጉተተሉ እዋን ኣዝዮም ውሑዳት ህዝብታት ጥራይ’ዮም ናይ ብሕታዊ ሜድያ ዕድል ዝረኽቡ። ኣብ’ዚ ዘለናዮ ግዜ ካብ ጠቕላላ ቁጽሪ ህዝቢ ዓለም 10% ጥራይ’ዮም እቲ ናይ ባሓቂ ዕድል ናይ ነጻን ብሕታውን ሜድያ ዘለዎም። 40% ካብ ጠቕላላ ቁጽሪ ህዝቢ ዓለም ድማ ኣብተን ኣዝዩ ከቢድ ናይ ሳንሱር ቁጽጽር ዘለወን ሃገራት ክነብሩ እንከለው ዝተረፉ 50% ድማ ኣብ መንጎ እዞም ዝተጠቕሱ ክልተ ጫፋት ዕድል ናይ ነጻ ሜድያ ዘለዎም ህዝብታት ይነብሩ። እዚ ብመሰረት ጋዜጠኝታት ብዘይዶብ ካብ ዝሃብዎ ጸብጻብ መሰረት ብምግባር’የ ዝዛረብ ዘለኹ።
40% ዝኣክል ካብ ጠቕላል ቁጽሪ ህዝቢ ዓለም ናይ ኢንተርነት መስመር ወይ ዕድል የብሉን። እዚ ማለት ካብ’ዚ ዓለማዊ መራኸቢ ሜድያ ወይ መራኸቢ ብዙሃን ተነጺሎምን ተገሊሎምን ይርከቡ ማለት’ዩ። ኣብ መንጎ ሃገራትን ዞባታትን ኣብ ውሽጢ ሃገራት’ውን ከይተረፈ ኣዝዩ ዓቢ ዘይምዕሩይነት ኣሎ።
እዚ ዘይምዑርይ ዕድል’ዚ ናይ ጾታ ማዕርነት ጉዳይ’ውን’ዩ። ኣብ’ዚ ቀረባ ግዜ ብዝተገብረ መጽናዕቲ ናይ ኢንተርነት ዕድል ዝረኽባ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ብ20% ትሒተን ይርከባ። እዚ ቁጽሪ ኣብተን ዘይማዕባለ ሃገራት ክሳብ 50% ይበጽሕ። ጌና ድማ እዚ ዘይምዕሩይነትታዊ ዕድል ዝቕጽል’ዩ።

Reportrar utan gränsers pressfrihetsindex för 2022

ንሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት ዝከላኸሉ ሕግታት ኣለውዶ፧
– ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ሕግታት ዝንደፉን ዝጸድቁን ናይ ፕረስ ናጽነት ንምግዳብ’ዮም። ናይ ፕረስ ናጽነት ድሮ ኣዝዩ ሕጹር ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት፣ ጸሓፍትን ኣሕተምትን ዝወርድ ምፍርራሕን ጎንጽን ቀጻሊ ይውስኽ ኣሎ። ኣርዓድቲ ወይ ኣሸበርቲ ሕግታት ናይ ፕረስ ናጽነት ንምግሃስ’ዮም ዝስርሑ። ኣብ ልዕሊ ናጽነት ብሕታውያን መራኸቢ ብዙሃንን ዘየሻራዊ ዓውዲ ጋዜጠኝነትን ዝውረድ ዘሎ ጸቕትን ምፍርራሕን ኣዝዩ ዓቢ ብድሆ ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ብዙሓት ሃገራት ጋዜጠኛታት ናይ ቃልን ኣካላውን መጥቃዕትታ ይወርዶም ኣሎ። እዚ ድማ ኣገድስቲ ሓበሬታት ናብ ህዝቢ ንኸየመሓላልፉ ዓቢ ዕንፋት ኮይንዎም ይርከብ። እዚ ብፍሉይ ኣብ’ዚ ሕጂ ኣጋጢሙ ዘሎ ናይ ሕማም ኮሮና ወይ Covid19 ለብዒ ብልዑል ዝወሰኸ ተርእዮ’ዩ። ኣብ’ዚ ኩነት’ዚ ብፍሉይ ደቂ ኣንስትዮ ጋዜጠኛታት ግዳይ ኮይነን ይርከባ።

ነቶም ግዳያት ሓሳባካ ናይ ምግላጽ ናጽነት ዝኾኑ ሰባት መን’ዩ ክሕግዞም ስልጣን ወይ ሓላፍነት ዘለዎ፧ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ማሕበር ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ፡ ዓለም ወይስ ሃገራት፧ ከም እኒ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፡
– ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ትምህርቲ፡ ስነ ፍልጠትን ባህልን ማለት UNESCO ዝኣምሰሉ ምስ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነትን ምዕባለ መራኸቢ ብዙሃንን ዝሰርሑ ዓለም ለኻውያን ማሕበራት ነቲ ኣብ 2030 ክብጻሕ ተደልዩ ዘሎ ኣብ ቁጽሪ 16.10 ዘሎን ካልእን ዕላማ ንምዕዋት ብዘይዕረፍቲ ክሰርሑ ይግብኦም። እዚ ድማ ሰባት ሓበሬታ ናይ ምርካብ መገድታት ክህልዎም ምርግጋጽን ነቶም መሰረታውያን መሰላት ወይ ናጽነታት ንምውሓስን ይሕግዝ። ብመሰረት ሃገራውያን ሕግታትን ዓለም ለኻዊ ስምምዓትን ድማ ክትግበር ኣለዎ።
ኣብ መንጎ ኣህጎራዊ፡ ዞባውን ሃገራውን ዘሎ ሓበራዊ ምትሕግጋዝን ምስራሕን ካብ’ዚ ሎሚ ዘሎ ንላዕሊ ዝበለጸ ክኸውን ይግባእ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ግን ኣገዳስነት ሜድያ ወይ መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ምዕባለ ዴሞክራሲ ትሑት ግምት ይውሃቦ ምዃኑ’ዩ። ንብሕታውያን ሜድያታት ወይ መራኸቢ ብዙሃን ዝውሃብ ሓገዝ ኣዝዩ ቁንጣሮ’ዩ። ዕቤት መራኸቢ ብዙሃን ኣካል ዕቤት ዴሞክራሲን ናይ ሓገዛት ፖሊስን ምዃኑ ዘሎ ርድኢት ኣዝዩ ድኹም’ዩ።
ይኹን እምበር ፖሎቲካዊ፡ ቁጠባውን ሲቪላውያን ማሕበራትን ዘማእከለ ለውጢ ብምንቕቓሕ ለውጢ ክውን ክኸውን ኣለዎ። ከም ንመሰል ጸሓፍቲ ዝጣበቕ Pen ዝብሃል ማሕበር፣ ዓለማዊ መርበብ ናይ ስደተኛታት ከተማታት ማለት ICORN፣ ኣህጉራዊ ማሕበር ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ማለት Amnestyን ጋዜጠኛታት ብዘይዶብን ዝኣምሰሉ ማሕበራት ኣወንታዊ ዕቤት ኣብ ምምጻእ ኣዝዩ ልዑል ግደ ኣለዎም። ብብዙሕ መዳያት ክሕግዙን ከተሓባበሩን ግን ድልዋት ክኾኑ ይግባእ ።

ICORN፣ ማለት ዓለማዊ መርበብ ናይ ስድተኛታት ከተማታት ምስ ካልኦት ኣካላት ብምትሕብባር ካብ ሃገሮም ንዝተሰደዱ ጋዜጠኛታት፡ ጸሓፍትን ስነ ጥበበኛታትን ይሕግዝ’ዩ። ብዛዕባ’ ዚ ማሕበር ዝምልከት ርእይቶ ኣለኪ ዶ፧
– ICORN ወይ ዓለማዊ መርበብ ናይ ስደተኛታት ከተማታት ብብዙሕ መደያት ኣዝዩ ዓቢ ኣገዳስነት ክብርን ኣለዎ። ነቶም ዝተበደሉ ጋዜጠኛታት፡ ጸሓፍትን ኣሕተምትን ዕቑባ ምሃብ ጥራይ ዘይኮነስ ነቲ ዝተዓብሰ ድምጾም ንስኸምዑ ባይታ ይፈጥርን ይሕግዝን’ዩ። ዝበለጸ መጻእን ዓለምን ክንርኢ ንደሊ እንድሕር ኮይንና እዞም ድምጽታት እዚኣቶም ክስምዑን ክንሰምዖምን ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ። ብዙሓት ከተማታት ሽወደን ኣብ ማሕበር ICORN ክጽንበራ ዓቢ ድሌት ኣለኒ።

ነቶም ብስእነት ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነትን ካልእን ድምጾም ዝተዓብሰ ዜጋታት መን’ዩ ድምጺ ክኾነሎም ዘለዎ ትብሊ፧
– ባህገይን ድሌተይን ናይ ኩሉ ሰብ ድምጺ ብብዝሒ ክስማዕ’ዩ። እዚ ድማ በዚ ብዲጅታላዊ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝፍጠረ ናይ ምብህሃል ዕድላት ሓባራዊ ድምጺ ፈጢሩ ንለውጢ ዝደፍእ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ኪኖ ቁጽጽር ውልቀመለኽቲ ዝኸዳ ብሕታውያን መራኸቢ ብዙሃን ንክፍጠራ ዝሕግዝ’ዩ። ዕዮ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ፖሎቲካውን ማሕበራውን ምንቅስቓሳትን ንጥፈታትን ኣብ ምዕባይ ኣዝዩ ወሳኒ ተራ ኣለዎ። ኣብ’ዚ ዘይመንግስታውያን ትካላት ኣዝዩ ልዑል ተራ ኣለወን። ብብዙሕ መዳያት ሃብታማት ኣብ ዝኾና ሃገራት እንነብር ሰባት ኣብ ካልእ ኩርናዓት ዓለም ሓሳብካ ናይ ምግላጽ መሰል ወይ ናጽነት ኣብ ምሕያል ብዝልዓለ ክንሰርሕን ክንውፈን ምስ ነብስና ቃል ክንኣቱ ኣለና። ቃል ምእታው ጥራይ ዘይኮነ ከኣ ኣብ ዝኣተናዮ ቃል’ውን ክንጸንዕ ኣለና። መጽናዕቲ ዝገብሩ ክኢላታት’ውን ህጹጽ ሓገዝ ዘድልዮ ሽግራት የጓንፎም ንርኢ ኣለና – ብፍላይ ድማ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ።

ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት ኣብ ገሊኡ ክፋል ዓለም መሰል ወይ ናጽነት ክኸውን እንከሎ ኣብ ካልእ ኩርናዓት ዓለም ብፍላይ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ ግን ከም ሓለፋ’ዩ ዝውሃብ። እዚ ብኸመይ ከነነጻጽሮ ንኽእል፧
– ኣብ ከይዲ ግዜ ዝተራእዩ ምዕባለታት ብመንጽር ኣገዳስነቶም ምግምጋምን ምጽናዕን ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ። እዚ ድማ ሓባራዊ ውሳነ ዘድልዮም፣ ጸቕጢ ኣብ ምግባር ይኹን እገዳታት ኣብ ምሕላፍ ክትጥቀመሉ ትኽእል። ኣብ ቅዋመን መሰል ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት ዘስፈራ ሃገራት ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝርኣዩ ሕጽረታት ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት ብልቦና ክርእዮኦን ብዝተፈላለየ መገዲ ሓገዘን ከበርክታ ይግባእ። ሓደ ብተደጋጋሚ ዝቐርብ ሕቶ እንተደሃልዩ፣ ” እዚ ዘሎ ዓለም ለኻዊ ምትሕግጋዝን ምትሕብባርን ነዚ ዘሎ ሕልኽላኽ ዝመልኦን ህጹጹ ፍታሕ ዘድልዮን ብድሆታት ሓሳብካ ናይ ምግላጽን ናይ ፕረስ ናጽነት ብሓቂ ክገጥሞ ይኽእል ድዩ ፧ ” ዝብል’ዩ። እቲ ቀንዲ ተራ ወይ ግደ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት ንጹርነት ጎዲልዎ ኣሎ። ምኽንያቱ እቲ ፖሎቲካዊ ድሌታት ዕንቅፋት ስለዝኸውን። ስለዚ ድማ ማሕበራት፣ተወሳኺ ፍልጠት፣ ውሽጣዊ ደገፍን ምትሕግጋዝን የድልየን ። ጥዑይን ኣፍራይን ናይ ሜድያ ሃዋህው ንምፍጣር ብዙሓት ደጊምካ ክሕሰበሎምን ክግምገሙን ዘለዎም ኩነታት ኣለው።

ብዛዕባ ንዕስራ ዓመታት ዝኣክል ግዳይ ማእሰርቲ ኮይኖም ዘለው ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ዓለም ኣፍልጦ ዘለዋ ዶ ይመስለኪ፧ ንስኺ ኸ ብዛዕባ እዞም እሱራት ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ተዛሪብኪ ትፈልጢ ዶ ወይ ሕጂ ትብልዮ ኣለኪ ዶ፧
– ንሽወደን ብዝምልክት ብሰንኪ ሓሳባቱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሎ ዳዊት ኢሳቕ ኣብነት ናይ’ዚ ኣብ መላእ ዓለም ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ናይ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት ኮይኑ ክኸውን ተስፋ ኣለኒ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት ብተደጋጋሚ ‘ዩ ዝዝረበሉ። ጉዳይ ዳዊት ኢሳቕ ድማ ካብ ሽወደን ሓሊፉ ኣብ ካልእ ክፋል ዓለም ተዘርጊሑ ክኸውን ተስፋ ኣለኒ።
ኤርትራ ፣እቲ ኣብ’ቲ ሃገር ዘሎ ስርዓት ንሜድያ ኣዝዩ ልዑል ምቁጽጻር ዝገብር ከም ምዃኑ መጠን ኣብ ዓለም ለኻዊ ዛዕባታት ከይተዘከረት ክትሓልፍ ኣይክኣልን’ዩ። ኣብ’ቲ ኣብ ጃካርታ ዝተኣንገደ መዓልቲ ዓለማዊ ናጽነት ፕረስ UNESCO ዓለማዊ ናይ ፕረስ ናጽነት ሽልማት ንዳዊት ኢሳቕ ‘ዩ ዓዲልዎ። እቲ ሽልማት ጓሉ ንዳዊት ኢሳቕ’ያ ተቐቢላቶ። ስለዚ ድማ ኣብ’ቲ ሰዓት’ቲ ኤርትራ ኣብ ኣዒንቲ ብዙሓት ወዲቓ’ያ። ኣብ ብዙሓት ናይ UNNSCO ኣጋጣሚታት ኣብ ዝገብሮ ተሳትፎ ፣ ኣብ ጽሑፋተይ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ከቢድ ኩነታት ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ከም መወከሲየይ ይጥቀመሉ’የ።
ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣምሰላ ሃገራት ናይ ባሓቂ ዕቤት ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት ክመጽእ እንድሕር ኮይኑ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝያዳ ብዝሓየለ መልክዕ ንጹር ዝኾነ ሃናጺ ፡ ቅዱሱ፣ ስትራተጂካዊ፣ ዓለማዊን ዞባውን መሪሕነትን ፖሎቲካዊ ድልየትን ክህሉ ይግባእ።
ንኤርትራ ኣመልኪቶም ኣብ ዝልዓሉ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ዘሎ ኣተኩሮ ንምዕባይ ሽወደን ካብ’ዚ ትሰርሖ ዘላ ንላዕሊ ክትሰርሕ ትኽእል’ያ። ኣብ ከም ኤርትራ ዝኣምሰላ ሃገራት ዘለው ውልቀ መለኽቲ በቲ ልክዕ ኣሽማቶም እንድሕር ዘይተጸዊዖም ካብ ጠመተ ክርስዑ ይኽእሉ’ዮም።
ናብ መላእ ዓለምን ናብ ግድያት ሓስብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት ዝኾኑ ሰባትን እንታይ መልእኽቲ ኣለኪ፧
– ኣብ መላእ ዓለም እንርእዮ ዘለና ምዕባለ ሕብረተ ሰብ ዝደበነን ዘሕዝንን ኮይኑሉ ኣብ ዘሎ እዋን እንታይ ክብሃል ይክኣል፧ ማለትይ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት፣ ሓበሬታን ስነ ጥበባዊ ዕዮታትን ናይ ሞትን ህይወትን ጉዳይ ኮይኖምሉ ኣብ ዘለው ዝያዳ ዝምልክት’ዩ።ምናልባት ” ናጽነት ናይ ምብህሃልን ምዝርራብን” ዝብል ሕቶ ተመራማሪ ሲስ ሃመሊንክ እንደገና ምሕታት ኣገዳሲ’ዩ። እዚ ናይ ተመራማሪ ሲስ ሃምሊንክ” ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት፣ ምሕደራ ዴሞክራስያዊ ሜድያ፣ ዋንንት ሜድያን ምቁጽጻሩን፣ ተሳትፎ ኣብ ናይ ገዛእ ርእስኻ ባህሊ፣ መሰላት ቋንቋ፣ መሰል ትምህርቲ፣ ውልቃዊ ሓርነት፣ብሓባር ኣብ ምምጻእን ውልቃዊ ውሳነ ኣብ ምውሳንን” ዝብሉ ዓበይቲ ኣርእስታት ዘጠቓልል’ዩ። ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት ልክዕ ኣብ’ዚ ሓሳብ’ዚ ኣእቲኻ ክርአ ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ። ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነት ክፋል ናይ’ቲ ምሉእ’ዩ። ፖሎትካዊ ድሌትን ትብዓትን ዘድልዮ ዘየቋርጽ ቃልሲ ድማ’ዩ።

ንዝሃብክኒ ግዜን ሰፊሕ ዝርዝራዊ መልስኽን ኣዝየ እመስግነኪ ።

Ghirmay Yohannes • 2023-05-02
Ghirmay Yohannes är journalist, poet, författare och filmskapare från Eritrea.