ጻንሒት ሓደ ሰዓት ምስ ዳዊት ኢሳቕ

Dawit Isaak. Foto: Privat folder av Yordanos Isaak

ዳዊት ኣብ 2005 ንውሑዳት መዓልታት ካብ ቤት ማእሰርቲ ኤርትራ ተፈቲሑ ነይሩ። ግርማይ ዮውሃንስ ድማ ብዛዕባ እታ ንሓጺር ግዜ ዝተራኸቡላ ኵነታት፡ ብዛዕባ እቶም ናይ ሽዑ ውዑያት ወረታትን ዘይተመለሱ ሕቶታትን ኣመልኪቱ ኣብ ሽወደናዊት መጽሔት ሊይክታን ብኸምዚ ዝስዕብ ጽሒፉዎ ኣሎ።

’መዓት ወረ ብዛዕባይ መዓት ወረ. . .’ ትብል ደርፊ ገኒናስ ኣብ ምህፋፋ ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ እዩ።  ”ኣብ ከባቢ ዒራዒሮ ስክፍታ ዝፈጥሩ ሰባት ተራእዮምስ እቶም እሱራት ድማ ናብ ኣስመራ ቤተ-መንግስቲ ተወሲዶም ኣለዉ. . .” ዝብል መዓት ወረ። እዚ መዓት ወረ እዚ መበገሲ ነይሩዎ እዩ። ናይቲ ከባቢ ኣዛዚ ዝነበረ ሓደ ጀነራል ”ናብ ዒራዒሮ ኣይኰነን ዶ ሰብ ሃመማ ከማን ኣይትቐርብን እያ. . .” ክብል ተዛሪቡ ዝተባህለ ወረ ዘበገሶ መዓት ወረ እዩ ነይሩ። እቶም ዝተቐልቀሉ ሰባት ድማ ነታ ዝተዘርበት ትምክሕቲ ንምስባር እዮም ተቐልቂሎም ትብሃል ነይራ።

በረኻታት ሃገር ሰራዊት ሰፊሩዎ ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ኣእትየሞ ነይሮም እዮም። ኣስመራ ግን ዋላ’ኳ ብብርሃንን ጸልማትን ብግፋ እንተ’ጸልመቱዋ ብዝተፈላለዩ ታክቲካት ካብ ቊጽጽር ወጻኢ ትኾነሉ ኣጋጣሚታት ብዙሕ’ዩ ነይሩ። ኣብዚ ግዜ’ዚ ድማ እዩ መራሒ ሃገር ”ኣስመራ ናብ መሕከልን መሕብእን ጫካ ተቐይራ ስለ ዘላ ክትጸሪ ኣለዋ. . .” ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

 በቲ ሓደ ንጉስ ኣይኣዝዝ እዩ። በቲ ሓደ ድማ እቲ ፕረሲደንት ክሳብ ታሕተዎት ሓለፍቲ እናወረደ ይራኸብን ይተዓራረኽን ስለ ዝነበረ ኣተኲሮን ወደሳን ንምርካብ ከይኰነ ኣይተርፍን እዩ ክልተ ሰለስተ ኮነሬላት ሓፍ ኢሎም ሃፍ ኢሎም። ”ኣስመራ ከነጽርያ ኢና” ድማ እዩ ነይሩ እቲ ቴማ። ከም ዘይሓልፍ ድማ ነታ ከተማ ገማጢሎማን ኣጸልሚቶማን።

ክዱን በ ኣፈ ስላሴ ኢልና’ስኪ ንስገሮ! ብዙሕ ታሪኽ ሰኒዳ ምስኪነይቲ ኣስመራ። ምስንዳድ ዘይትኽእሎ ኩሉ ግዜ ምስናድ ጥራይ ደኣ ኰይና’ምበር ብዙሕስ ሰኒዳ! ገዛ ናይ ኣነ ዝፈልጦ ሓደ ካብ’ቶም ናይ ሽዑ ታሪኻውያን ሓለፍቲ ድማ ብምሸት ብጸልማት ንሱ ንኣስመራ የጸልምት ኣብ ዝነበረሉ ሰዓት ምዃኑ እዩ፡ ዘይተፈልጡ ሰባት ናብ ገዛኡ ኣትዮም ስድራኡ ብዀፎም፡ ኣቚሑት ገማጢሎም፡ መልእኽቲ ፈኸራ ኣመሓላሊፎም፡ እቲ ጭውነቶም ግን ንሰበይቱን ደቁን ከይተንከፉ ወጺኦም ከይዶም። ተባዕትዮ ዝጨንዉ ተባዕትዮ ተቐልቂሎም ማለት እዩ።

ብምንፋርን ዘይምንፋርን ሃመማ ኣብ ከባቢ ዒራዒሮ ዝተመከሐ ጀነራልን እቲ ገዝኡ ዝተጋሰሰሉ ኮነሬልን ድማ ብሰራዊት ተኸቢቦም ኣብ ሰላም ሆቴል ሓዲሮም።

መስርሕ ወረ ኵነታት እሱራት ዒራዒሮ ድማ ይቕጽል ነይሩ። ”እገለ ሃዲሙ፡ እገለ ኣዲሙ፡ እገለ ሓሚሙ፡ እገለ መይቱ፡ እገለ ሆስፒታል ሓሊበት ተራእዩ. . .” ዝብሉ ድማ መዓት ወረታት ድማ ይውረዩ። 
ኣብ’ዛ ፍልይቲ ቅነ’ዚኣ ግና እቲ ኻልእ ወረ ገዲፍና ማለት’ዩ ”ዳዊት ካርሸሊ ተራእዩ፡ ዳዊት እምባትካላ ሓሊፉ፡ ዳዊት ኣብ እንዳ እሱራት ሆስፒታል ሓሊበት ኣሎ፡ ዳዊት ዒራዒሮ ’ምበር ኣሎ. . . ” መዓት እዩ እቲ ዝውረ ዝነበረ ወረ።

ኣብ ከም’ዚ ዝበለ ምዉቕን ድሙቕን ወረ ድማ እዩ ኣብ 2005 ማለት እዩ ኣብ ሓንቲ ዕለት ዳዊት ኣብ ገዛ ጸኒሑኒ። ካንሸሎ ከፊተ ክኣቱ እንከለኹ ናይ ኣጋጣሚ ነገር ኣብ ማእከል ካንሸሎ ደው ኢሉ ኣብ ክሽነ ምስ ዝነበረት ሓፍቱ እዩ ዘዕልል ነይሩ። ምስ ባድላኡ ተደሪቡ ሞራሉ ሂቡዎ ዝነበረ ግርማ ርኡይ ነይሩ። ዋላ ’ኳ ከምቲ ድሒሩ ዘዕለለኒ’ሞ ዝተረጋገጸ ናይ ጥዕና ጸገም የጸግሞ እንተ ነበረ፡ ሓቦ ሓዊሱን ሓጎስ ኣበሪኹን ’ባህ ኣይበልኪ ዓለም!’ ዝዓይነቱ ምንቅስቓስ ይንጸባረቖ ነይሩዎ።

ምስ ርኣየኒ በቲ ሓደ ተሓጒሱ፡ በቲ ሓደ ግን ስክፍታ ዝዓብለሎ ስምዒት ኣብ ገጹ ይንበቦ ነይሩ። ምናልባት ደሃይ ናይ መተኣስርቱ ኣብቲ ዝነበሮ ቤት ማእሰርቲ ከሎ ይሰምዖ ነይሩ ይኸውን። ወይ ምስ ወጽአ እቲ ሓቅታት ተዓሊሉዎ ኣሎ – ከም ትሑዝ።

ናይ ስክፍታ መንፈሱን ኲነታቱን እንታይ ይትርጐም ንዓይ ርዱእ ነይሩ። ተሓቛቒፍና ድሕሪ ምስዕዓምና ተቐላጢፈ ስክፍታኡ ክቕንጥጠሉ ደለኹ። ታሕጓስ ዘበገሶ ድዩ ዋላስ ምድንጋር ዘበገሶ እዩ ኣይርድኣንን ሕቶታትና ተመሳሰልትን ተደጋገምትን እየን ነይረን። ”ከመይ ከ? ደሓን ዶ? ከሜለኻ? . . . ?” ጥራይ ይደጋገማ በቃ! እንታይ ኢሉ ኸ ክሓተኒ ንሱ? ዘሎ ሳላ ዘየሎ ዝሕተት ኣይነበረን። ሕቶታት ከነግፍሕ’ውን ኣይደለናን። ኣነ ኸ እንታይ ኢለ እየ ክሓቶ። ባሕሪ ወይ ኣብ ክራማት ገጠር ኣይነበረን ”ዘራእትን ጥሪትን ብሓፈሻ ክራማት ከመይ ኣሎ” ከይብሎ።

”ንዓኻ ምርኣይና ዓቢ ተስፋን ሓጐስን እዩ። እንቋዕ’ሞ ንስኻ ከምዚ ኢልካ ተመለስካና። እንቋዕ ንዓኻ ርኣና ዝተረፉ ድማ ከማኻ የማስሎም። ፈጣሪ ዝኣዘዘሎም ክኾዀ እዮም  ጸገም የሎን ኣጆኻ። ሎሚ መዓልቲ ዳዊት፡ ዕለተ ናጽነት ዳዊት፡ ዕለተ ሓጎስ ዳዊት እያ። ኲላትኩም ኣሕዋትና ኢኹም። ንዳዊት ሓውና ሎሚ ረኺብናዮ ኣለና ነቶም ካልኦት ድማ መዓልቶም ይሃቦም” ብምባል ስክፍታኡ ቀንጢጠሉ።

ንሱ’ውን ዝፈልጦ ኣይነበሮን። ምስኡ ከም ዘይነበሩን ኣብ መጀመርታ ኣብ መደበር ፖሊስ ከም ዝተፈላለዩን ጥራይ እዩ ዝፈልጥ። ብዛዕባ ርጡብ ኲነታቶምን ሃለዋቶምን ላዕሊ ላዕሉ ኣዕሊለዮ። ንሓደ ሰዓት ዝኸውን ኣዕሊልና ብቘጸራ ተፈላሊና። ተቛጺርኩም ኣይበለና ከም ዝብሃል ግዲ ኰይኑ’ሞ ተቛጺርኩም ግዲ ኢሉና ግን. . . ደጊምና ኣይተራኸብናን።

ኲላቶም ጋዜጠኛታት ምስ ተኣስሩ ብቐጥታ ቀዳማይ መደበር ፖሊስ እዮም ኣትዮም። ድሕሪ ናይ ኣስታት ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጻንሖቶም ድማ እሱራት ጋዜጠኛታት ናይ መግቢ ምሕሳም ኣድማ ኣካይዶም። ኣብዛ ግዜ’ዚኣ ድማ ዳዊት ስለ ዝሓመመ ኣብ ሆስፒታል ሓሊበት ዝርከብ ናይ እሱራት ሕክምና ደቂሱ ነይሩ። እቶም ኣድማ ዝገበሩ እሱራት ናብ እምባትካላ ክወርዱ ከለዉ ዳዊት ናብ ካርሸሊ እዩ ተወሲዱ። ክሳዕ እዛ ንኽልተ መዓልቲ ተፈንዩላ ዝነበረ ግዜ ድማ ኣብ ካርሸሊ እዩ ነይሩ። ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ደጊሙ ምስ ተወስደ ድማ ናብታ ዝነበራ ካርሸሊ እዩ ተመሊሱ። ድሕሪ ቊሩብ ናይ ካርሸሊ ጻንሖት ግን ናብ ብጾቱ ከም ዝተሓወሰ ማለት ዒራዒሮ ከም ዝተወስደ እዩ እቲ ዝውረ ወረ ዘውሪ።

ኣብ’ዛ ብዛዕባ ተፍትሽ ንዳዊት እትትርኽ ወጺኣ ዘላ ሓዳስ መጽሓፍ ግን ገለ ጌጋታት ኣሎ።  ሓደ ካብ ዋርድያታት ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ነጊሩኒ ከም ዝብሎ፡ ”ዳዊት ድሕሪ ዳግማይ ማእሰርቱ ማለት ኣብ 2005 እዩ ናብ ካርሸሊ መጹኡ” እዩ ዝብል። ዳዊት ግን ክሳዕ 2005 ብርግጽ ኣብ ካርሸሊ ነይሩ። ናይ ምንባብ፡ ሬድዮ ናይ ምስማዕን ናይ ምጽሓፍን ዕድልን ገለ ምትሕብባርን’ውን ነይሩዎ። መጽሓፍ ከም ዝተርጐመ’ውን ኣዕሊሉኒ።

ክፍኖ እንከሎ ውዱእ ምፍናው ማለት ጠቕሊሉ ከም ዝተፈነወ እዩ ካብ ዳዊት ጀሚርካ ኲሉ ሰብ ዝነበሮ ርድኢት። ንሱ ካብ ጀመረ ካልኦት’ውን ተስፋ ኣሎዎም ብምባል ካብ ሽዑኡ ጀሚሮም መዓልቲ ምፍቃድ ዝጀመሩ ብፍላይ ወገን ግዳያት ኣይተሳእኑን።

ቃላት ሰብኣይ ከምኡ ብምድጋምን ብኽፍኣት ግብሩን ዝልለ ሕጂ ከምዚ ኸማይን ማዕረይን ’ስደተኛ’ ዝብል ስም ከይተሰከመን እንከሎ ማለት’ዩ፡ ዓሊ ዓብዱ ገባርን ሓዳግን ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ተሓቲቱ፡ ”ንሕክምና እዩ ተፈንዩ ነይሩ ሕክምናኡ ወዲኡ ድማ ናብ ሰፈሩ ተመሊሱ” ክብል እዩ መሊሱ።

”ዳዊት ከምዚ ተመሊሱ ኣትዩዎ ዘሎ ተመሊሱ ናይ ምፍታሕ ተኽእሎ ኣይሰኣኖን እዩ” ክብሉ ዘይመስል ዝገመቱ ’ውን ኣይተሳእኑን። ”ዝነቐጸን ዝቐበጸን ሓደ!” ዝብሃል ምስላ ክትርጐም ኢሉዎ ግዲ ኰይኑ ግን፡ ”ዳዊት ዒራዒሮ ግዒዙ” ዝብል ወረ እያ ሰሚዓ እዝነይ።

ዘይመስል ሓሳብ ወይ ሕቶ ዘቕረቡ’ውን ኣይተሳእኑን። ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ናይ’ዛ ሃገር ካብ ዝርከባ ከተማታት ኣብ ሓንቲ ከተማ ንሓንቲ ሽወደናዊት ምስ ወዳ ብኻራ ቀቲሉዋ ንሕልፈት ዝተፈርደ ኤርትራዊ ኣሎ። ጸሓፊ ናይ’ዛ መጽሓፍ ጋዜጠኛ ማርቲን ድማ ንዳዊት ምስ እዚ ሰብ’ዚ ’ናይ እሱራት ምቅይያር ክግበር’ ዝብል ሓሳብ ናብ ክልቲኦም መንግስታት ማለት ናብ መንግስታት ኤርትራን ሽወደንን ምቕራቡ ምስ ፋንታዝያ ቈጺረሉ።

ኣብ ዘለኻዮ ሰላም ዳዊት!

Ghirmay Yohannes • 2022-11-29
Ghirmay Yohannes är journalist, poet, författare och filmskapare från Eritrea.