እንተዝሰምዓንስ እንታይ’ስከ ነይሩዎ

Militär i Gash-Barka i Eritrea. Bild: Dawit Ahferom Genzebu/Shutterstock

ድሕሪ ናጽነት ንሓጺር እዋን ደሞክራስያዊ ዕምበባ፡ ኤርትራ ናብ ምልኪ ገጻ ተጠውያ። ግርማይ ዮውሃንስ ብዛዕባ ጋዜጣታት ክዕጸዋ ኣብ ዝተገደዳሉ እዋንን ጋዜጠኛታት ምስተኣስሩን ብዛዕባ ምስ ሓዉ ዝተበሃሃሎን ይነግረና ኣሎ።

ዕለት 18 መስከረም 2001 ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ቅሬታኦም ዘቕረቡ ላዕለዎት ሓለፍትን ኣባላት ባይቶን ክእሰሩ ከለዉን፡ ጋዜጣታት ብሕቲ ተዓጽየን ጋዜጠኛታተን ክህደኑ ከለዉን ፍስሃ (ጀሽዋ) ብዑደት ስራሕ ናብ ጋሽ-ባርካ ገይሹ ብምንባሩ ብመጠኑ ርግኣት ፈጢሩለይ ነበረ። ክነዖ ሓግዩ ዝኸረመ ፖለቲካ ሃገርና፡ ብዙሕ ነገራት ክለኻኽም ምዃኑ ርዱእ ገይረዮ ነበርኩ። እቲ ብኽልተኦም ጕጅለታት፡ ማለት ብሸነኽ ኣብ ስልጣን ዝነበረ መንግስትን ብጕጅለ 15 ዝፍለጡ ኣብ ልዕሊ እቲ መንግስቲ ሕቶ ዘቕረቡ ሰበ-ስልጣንን ዝተበገሰ ፖለቲካዊ ሃዋሁው መዛዘሚኡ ከምዘይጽብቕ ብኣተኵሮ ንዝተኸታተሎ ሰብ ርዱእ ነበረ። ናህሪ ናይቲ ጕዳይ ተዓዚብካ ጥራሕ ብውሑዱ ሓደኡ ጕጅለ ገለ ነገር ክገብር ሓደኡ ጕጅለ ድማ ገለ ነገር ክግበር ምዃኑ ንምግማቱ ዘጽግም ኣይነበረን። ”ተሰሓሒቦም፡ ተባኢሶም፡ ተፈላልዮም፡ ተገማሚዖም . . .” ዝብሉ ወረታት ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ገዛ ስለ ዝበጽሑ ድማ ኣብ ህዝቢ ሓያል ስክፍታን ሻቕሎትን ተፈጢሩ ነበረ።

እዚ ኵነታት እዚ ስክፍታ ስለዝፈጠረለይ ድማ እየ ነፍሲ ወከፍ ምንቅስቓስ ጀሽዋ ብቐረባን ብደቂቕን ዝከታተሎ ዝነበርኩ። ኵነታት ምስተበላሸወ፡ ሰበ-ስልጣን 18 መስከረም ክእሰሩ ከለዉ ጋዜጠኛታት 23 መስከረም ተኣሲሮም። ጀሽዋ ካብ ጋሽ ባርካ ሰሉስ 25 መስከረም ተመሊሱ። ከም ሰብ መጠን በቲ ገይሹዎ ዝነበረ ኣቢሉ ናብ ጐረቤት ሃገር ክሰግር እምበር ናብ ኢድ ተጻባእቱ ክምለስ ድልየተይን ትጽቢተይን ስለ ዘይነበረ እኳ እንተተደናገረኒ ዝነበሮ ድርቅና ስለ ዝፈልጦ ግን ብዙሕ ኣይገረመንን።

ካብ መገሻ ምስ ተመልሰ ተራኺብና። ዋላሓንቲ ናይ ምርባሽን ናይ ምስካፍን ምልክት ኣይርኣኹሉን። ከም ቀደሙ ርግእ ኢሉ እኳ ድኣ ምስ ርእሰ ምትእምማኑ ዝነበረ ኰይኑ ይስምዓኒ። ብየማነ ጸጋሙ ግን ዝርብሹን ዝተረበሹን ዘረባታት ይመጽኡዎ ነበሩ። ሰብ’ዩ ከክንድኡ ተረቢሹሉ’ምበር ንሱስ ዘንዓረሉ ይመስል ኣይነበረን። ከርእዮ ወይ ከንጸባርቖ ዘይደለዮ ውሽጣዊ ሕርቃን ግን ነይሩዎ። ንሱ ኣብ መገሻ ከሎ እንዳ ጸጥታ ናብ ገዛ መጺኦሞ ከም ዝነበሩ ብሰበይቱ ምስተነግሮ ናብ ኦፊሶም ከይዱ እንታይ ደልዮምን ስለምንታይን ናብ ገዛኡ ከም ዝመጽኡ ሓቲቱዎም። ”ደሓን ጀሽዋ ገዛኻ ኪድ እንተደሊናካ ባዕልና ክንመጽኣካ ኢና” ዝብል መልሲ እዮም መሊሶምሉ። ምስ ዝምልከቶም ሰባት ድማ ”ስለ ምንታይ እዩ እዚ ዅሉ ማእሰርቲ?” ብዝብል ኣርእስቲ ብዙሕ ተዘራሪቡ ናብ ገዛኡ ተመሊሱ። ገና ኸኣ ኣብ ሕርቃን ነበረ።

ቊሩብ ግዜ ተረኺቡ ግን ብሕት ኢልና ክንዘራረብ ጀሚርና። ብምንታይ ጀሚረ እንታይ ከምዝብል ስለዝተደናገረኒ ቃላተይ ጥርኑፋት ኣይነበሩን። ካብ ቃላተይ ንላዕሊ ድማ ትንፋሰይ ይዛይድ ነበረ።

”እዚ ዅሉ ከጋጥም ዝቐነየ ማእሰርቲ ሰበ ስልጣንን ጋዜጠኛታትን ኣይሰማዕካዮን ዲኻ?” . . . እናተደናገርኩን እናተገረምኩን ሓቲተዮ። ዋላሓንቲ ምልክት ከርእየኒ ኣይደለየን። ስክፍታይ ገና ኸሎ ካብ ኣተነፋፍሳይ ኣንቢቡዎን ተረዲኡዎን ነበረ።

”ሰሚዐዮ’ባ” ተዛንዩ እዩ መሊሱለይ።

”ኣበይ ኴንካ ሰሚዕካዮ፡ ኣብዚ ምስ መጻእካ?” እናተደናገርኩ ጠመትኩዎ። ኣብ’ዚ ምስ መጽአ ክኸውን ኣለዎ’ምበር ሰሚዑዎ ናብ’ዚ ክመጽእ ኣይክእልን’ዩ ዝብል ስምዒት ሓዘኒ።
”ኣብ መገሻ ከለኹ’ምበር”

”እሞ ሰብ ካብ’ዚ ናብ’ቲ ዝነበርካዮ ወሰናስን ይኸይድ ብእኡ ገይሩ ንኽሃድም ንስኻን ድማ ናብ’ዚ ምምላስካ ምስ ድርቅና ዶ ኣይቊጸርን . . . ” ብዙሕ ካብ ዘይምድፋሩ ዝተላዕለ እናተሰከፍኩ’የ ደጊመ ሓቲተዮ።

”ሓሳብካ ተረዲአዮ ኣለኹ። ግን ኔው በሎ ኣይትድገሞ። እንታይ ስለ ዝገበርኩ እየ ክሃድም? ናበይ እየኸ ክሃድም? ጸገም እኮ የሎን። ብፍላይ ጋዜጠኛታት ሕጂ ክፈትሑዎም እዮም። ንግዜኡ ኵነታት ንምርግጋእ’ዮም ሒዘሞም ዘለዉ። እንታይዶ ጌርና ኢና? መንግስቲ ባዕሉ ዘውጸኦን ዝኣወጆን ሕጊ ናጻ ፕረስ ተጠቒምና ኢና ስራሕና ሰሪሕና። ስለዚ ጸገም የሎን።” ክብል’ዩ ብርግኣትን ብርእሰ ምትእምማንን መሊሱለይ።

መብዛሕትኡ ግዜ ከም ንዕዘቦ እንተዀይኑ ኣብ ስልጣን ዘሎ ኣካል እዩ ተኣማንን ኣድማዕን ካብ ዝብል ሓሳብ ተበጊሰ፡ ”ነዘን ጋዜጣታት እዞም ንመንግስቲ ዝተቓወሙዎ ሓለፍቲ እዮም ክጥቀሙለን ጸኒሖም እሞ ነዚ ከም መመኽነይታ ተጠቒሞም ገለ ሰበብ ምሂዞም ተሰከምቲ ኣደራዕ ከይገብሩኹም . . .?” ናይ ስክፍታ ዘረባይ ኣየወደኣንን።

”እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስትን ኣካላቱን ነዘን ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ክጥቀሙለን ኣይደለዩን እምበር ንዅላቶም ከገልግላ ድሉዋት ኢና ኔርና። ፈቲንና ’ውን ኔርና – ስለዘይደለዩ ግን ኣይኰነልናን። ምድላይን ዘይምድላይን ድማ ንዐኦም እዩ ዝምልከት” ብምባል ቍርጺ መልሲ ሃበኒ።

ኣነ ፈጺመ ኣይተሓጎስኩን። ኪንዮ እዚ ግን ክቕጽል ኣይከኣልኩን። ምስጢር ተሓቢኡዎ ከይከውን እየ ሰጊአ ነይረ። ሰኣን ሓበሬታ ኣብ ጸገም ዝወደቐ ኩይኑ ተሰሚዑኒ እየ ልዕሊ ዓቐን ሓዚነ። እናፈለጠን እናተረደኦን ከም ዝተመልሰ ምስ ፈለጥኩ ግን ከየርመመኒ ኣይተረፈን። ’ሰብ ካብ ኢዶም ይሃድም፡ ንሱ ድማ ናብ ኢዶም መጺኡ!’ ኢለ ኣዝየ እየ ሓዚነን ጕህየን። ናብ ኦፊሶም ከይዱ ድማ ”ማእሰርቲ እንታይ ኣምጸኦ? ብፍላይ ጋዜጠኛታት ስለምንታይ ተኣሲሮም? ክንሰርሖ ዝጸናሕና ስራሕ ሞያዊ ስራሕና ደይኰነን እዩ? . . . ” እናበለን ”እንታይ ደሊኹም ገዛይ መጺእኩም? እንታይ እዩ እቲ ጸገም?” ኢሉ ከዘራርቦም ምስ ከደን ኣዝዩ እዩ ኣስደሚሙኒ።

”ሕሰብ እሞ ንማኸር። ’ኦሮማይ!’ ዝብል ሓሳብ ክሕዘካ የብሉን። ካብ ዓይኖም ክኣልየካን ካብ ሃገር ከውጽኣካን ከምዝኽእል እመነኒ!” በልኩዎ ብምትእምማን – ንዅሉ ዝመጽእ ጕዳይ ክገጥሞ ድሉው ነበርኩ።

”ዋእ ዋእ! ዋላሓንቲ ስለ ዘይገበርና እየ’ኮ ዘይሃደምኩ። ዝገበርኩዎ እንተ ዝህሉ ኣብታ ዶብ እየ ነይረ። ዘህድም ምኽንያት ግን የብለይን” ዝብሉ ቃላት እዩ ደጋጊሙለይ። ክንረዳዳእ ከም ዘይንኽእል ኣብ መደምደምታ በጺሐ። ክቐስን ስለ ዘይከኣልኩ ግን ኣዝየ ተረቢሸ። ኪንዮ እዝን ካብዚ ንላዕልን እሞ ድማ ምስዚ ዅሉ ድርቅና፡ እንታይ ክብል ከም ዘለኒ ሓርበተንን ምርዳእ ኣበየንን። ስምዒተይ ዓብዒበ ብምሓዝ ድማ፡ ”እንተዝሰምዓንስ እንታይ’ስከ ኣለዎ!” በልኩ።

ኣብ ሳልስቱ፡ መስከረም 27 ብጊሓቱ ካብ ገዛ ምስ ወሰዱዎ ብቐሊሉ ከም ዘይገድፉዎ ርዱእ ገበርኩዎ። ምኽንያቱ ብዛዕባ ናይ ሜዳ ገድሊ ህይወቱ ብዙሕ ዕላላት ነይሩኒ። ኣብ ጠመተ ከም ዝነበረ ይዕለለኒ ነይሩ እዩ። ሕጂ ግን መመኽነይታ ስለ ዝረኸቡ ከም ዘይገድፉዎ ይውስኹለይ ነበሩ ገለኦም ፈለጥቲ ምስጢር።

ብፍላይ ግን ጒዳይ ናይ’ቶም እሱራት ብቐዳምነት ኣብ ኢድ ናይዝጊ ክፍሉ ከም ዝነበረ ምስ ፈለጥኩ ብኽቱር ሕርቃን ቶግ እብል ነበርኩ። ምኽንያቱ ምስ ናይዝጊ ክፍሉ ዝነበሮ ኣዝዩ ግናይ ዝምድና እፈልጦ እየ። ሓደ ካብ’ቲ ብዙሕ ድማ ናይዝጊ ንሓደ መንእሰይ ኣብ ማእከል ጐልጐል እናጸፍዐ ክቕጥቅጦ ርእዩዎ ብሕርቃን ናብኡ ብምቕራብ፡

”እንታይ ትገብር ኣለኻ ’ታ?! ስቒልካ ዲኻ ጎበዝ እንዳማትካ ኣብ ማእከል ጐልጐል ትሃርም! ጥዑይ ዲኻ! … ባዕልኻ ፍለጥ፡ እንታይ ገደሰካ! ባዕልኻ’ባ ፍለጥ!. . .” እናበለት ነገር ከይዳ ሰማይ ዓሪጋ ናብ ዲቕ ዝበለ ህውከት ተቐይራ። እታ ጕዳይ ድማ ብምፍኽኻር ተወዲኣ።

ምስ ዶክተር ጣንጡ (ንግዜኡ ሳጓኣ እየ ዝዝክሮ) (ሰይቲ ኣምባሳደር ተስፋንኪአል ገራህቱ) ብዛዕባ ዓቕሚ ንዘይብሎም ብስም ተጋደልቲ ኣመኽኒኻ ካብ ባዶ እናተበገስካ ናይ ነርስነትን ካልእን ሞያ ምሃብን፡ ነቶም ኣብ ትሕቲ ደርጊ ተረጊጾም ዝነበሩ ኣብ ትሑት ደረጃ ነዊሕ ዝገበሩ ሓካይም እናሰገርካ ዝግበሩ ዝነበሩ ኣድልዎታት ከም ዘየኺዱን ኩሉ ዜጋ ብማዕረ ክረአ ከም ዝግበኦን ብትሪ ምስ ወቐሶም፡ ”ወይለይ ኣንጻር ተጋደልቲ ዝመርገጺኡ ተጋዳላይ መጺኡና!” ዝብል ሓሳብ ዘሎዎ ዘረባታት ኣስዒባስ ኣብ ሓያል ምስሕሓባት ኣትዮም። ምኒስተር ጥዕና ሳልሕ መኪ’ውን ኣብ ኣኼባታት ክዛረበሉ ጀሚሩ። እዝን ካልእን ኣርእስቲ ዝፈጥሩ ጒዳያትን ስለ ዝነበሩ ኵነታት ናበይ ገጹ ከም ዘብል ገና ከሎ ተረዲኡኒ ነበረ።

ኣብ ቀዳማይ መደበር ፖሊስ ኣብ ዝነበረሉ ግዜን ኣብ እምባትካላን ሓያል ምንጽርጻርን ቍጠዐን የርኢ ነበረ። ”ንዕመጽ ኣለና!” ዝብል ሓያል ሓሳብ ዝፈጠሮ ሓያል ነድሪ ስለዝሓዞ ምስ ብዓል ወዲ ካሳን ስምኦንን ዝኣመሰሉ ዝምልከቶም ሓለፍቲ ጸጥታን ሃገራዊ ድሕነትን ክዘራረብ ከም ዝደሊ ብትሪ ገሊጹ። ነዚ ድማ ከም ረብሻ ቈጺሮም ከም ሳዕቤኑ ገለ ስጒምቲ ክወስዱ ከም ዝኽእሉ ክግምት ጀሚረ። ሞቱ እንተ ሰሚዐ ድማ ’ቀቲለሞ ጥራይ እዩ ክኸውን ዝኽእል’ ኣብ ዝብል መደምደምታ በጺሐ ብኣንክሮ ክከታተል ጀመርኩ።
ክሳዕ ሕጅን ብቐጻልን ድማ፡ ከም ተረፍ ሕርቃነይ፡ ”እንተዝሰምዓንስ እንታይ’ስከ ነይሩዎ!” ዝብል ሓሳብ አሰላስል።

Ghirmay Yohannes • 2024-02-07
Ghirmay Yohannes är journalist, poet, författare och filmskapare från Eritrea.